ጉዳይ ምልውዋጥ እሱራት፡ ነቲ ኣብ ሽወደን ብገበናት ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተፈርደ ኢራናዊ ሓሚድ ኑሪን፥ ከምኡ’ውን ኣብ ኢራን ዝተኣስሩ ክልተ ሽወደናውያንን ተወሳኺ ትኹረት ክወሃቦም ጌሩ’ሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ጉዳይ ናይቲ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኢላ ዝኾነ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ነበር ከም ዘየመሓላልፎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ስዒድ ማሕሙዲ ሕጂ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ጸቕጢ ክትገብር እያ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ክልተ ሽወደናውያን ዜጋታት ብስለያ ተኸሲሶም ኣብ ኢራን ተኣሲሮም ኣለው። እንተኾነ ግና መንግስቲ ሽወደን እዚ ማእሰርቲ ምኽንያት ዘይብሉ’ዩ ብምባል ከዋድቖ ጸኒሑ’ሎ።