ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ኦሚክሮን፡ ናብ መላእ ዓለምና ብዘገርም ፍጥነት ይላባዕ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣጠንቂቑ።
ዛጊት፡ ኣብ 77 ሃገራት፡ ቫይረስ ኦሚክሮን ተራእዩ’ሎ። ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሕጂውን እዚ ቫይረስ ዘይተራእየለን ሃገራት ከም ዝበዝሓ እኳ እንተገለጸ ነዚ ቫይረስ ንምቅላስ እኹል ቃልሲ ይግበር ዘይምህላዉ ከም ዘሻቕሎ ኣመልኪቱ። ርግጽ’ዩ፡ ነዚ ቫይረስ ሸለል ምባል ከም ዝጐድኣና ተረዲእና ኣለና፥ ኦሚክሮን ካብቶም ካልኦት ቫይረሳት ዝቐለለ ሕማም እኳ ዘስዕብ እንተኾነ፡ እቲ ዘሎ ገዚፍ ቊጽሪ ሕሙማት ግና ንማእከላት ጥዕና ብምጭናቕ ከቢድ ጸቕጢ ክፈጥር ይኽእል እዩ” ብምባል ኣተሓሳሲቡ።
ጅር ኦሚክሮን፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም እተረኽበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር፡ እዚ ሕማም የስፋሕፍሕ ምህላዉን ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ሲሪል ራማፎሳ፡ በዚ ሕማም ተታሒዙ ኣብ ውሸባ ከም ዝርከብ ዝፍለጥ እዩ።