መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ፡ ናብ ፊንላንድ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ስራሕ ኣልቦ ካብ ዝኾኑሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳግማይ እንተዘይተቖጺሮም ካብታ ሃገር ክወጹ ዘገድድ እማመ ክቕልብስ ሓሳብ ከምዘይብሉ YLE ጸብጺቡ። እዚ እማመ ምስ ካልእ ምትዕርራያት ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ተደሚሩ፥ ንኣህጉራዊ ተጠላብነት ፊንላንድ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ነቐፌታታት ኣስዒቡ’ሎ። ሚኒስተር ሽቕለት ኣርቶ ሳቶነን ዝሓለፈ ረቡዕ ንዋይ.ኤል.ኢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ኣህጒራውያን ሰብ ሞያ ትሰጒግ ብምህላዋ ምስላ ብንጥፈት ይበላሾ ኣሎ ዝብል ነቐፌታ ከምዘይቅበሎ ገሊጹ’ሎ። ፊንላንድ ብመንጽር ስታቲስቲክስ ንኣህጉራዊ ሰራሕተኛታት ማራኺት መዕረፊት ኮይና ክትቕጽል እያ ኢሉ። ፊንላንድ ካብተን ብሰራሕተኛታት ወጻኢ ካብ ዝበሃጋ 55 ኣገራት መበል 51 ደረጃ ምሓዛ፡ ብኢንተርኔሽንስ ዝካየድ ዓመታዊ መጽናዕቲ ተመኩሮ ወጻእተኛታት ምውጽኡ ዝፍለጥ እዩ።
ሳቶነን እታ ሃገር ኣብዚ መዳይ ንቱርኪን ኩዌትን ጥራይ ምቕዳማ ፡ እቲ ደረጃ ንኸም በዓል ካናዳ (መበል 50)፡ ጀርመን (መበል 49)ን ኖርወይን (መበል 48) እውን ብዙሕ ከም ዘይነሓፈን ኣመልኪቱ። ን ሃገራት ኖርዲካውያን ምስ ካልኦት ምውድዳር ብዙሕ ትርጉም ከምዘይብሉ ጒዳይ ምዃኑ’ውን ተማጒቱ’ሎ።
“ትሑት ደረጃ መነባብሮን ዝተሓተ ግብሪን ኣብዚ ተርታ ዋጋ ዝወሃቦም እንተኾይኑ፡ ዝኾነ ምዕራባዊት ሃገር ክትወዳደር ኣይትኽእልን እያ” ክብል ነቲ ህዝባዊ ፈነወ ርእይቶ ሂቡ’ሎ። ኣብ ሰደቓ ኤክስፓት ኢንሳይደር ፓናማ፡ ሜክሲኮ፡ ኢንዶነዥያ፡ ስጳኛን ኮሎምብያን ኣብ ቅድሚት ክስርዓ እንከለዋ ፡ ታይላንድ፡ ብራዚል፡ ቬትናም፡ ፊሊፒንስን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድማ ስዒበነአን ክሳብ 10ይ ተርታ ተሰሪዐን ኣለዋ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣካዳሚያዊ መሃንድሳትን ኣርኪተክተራትን ፊንላንድ (TEK) ከምኡ’ውን ማሕበር ሞያውያን መሃንድሳት ፊንላንድ (IL) ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ክኢላታት ቴክኖሎጂ ክሳብ 89 ሚእታዊት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዝካየድ ዘሎ ሕብረተሰባዊ ክትዕ ስክፍታ ከምዘለዎም ገሊጾም እዮም። ልዕሊ ኣርባዕተ ሕምሲት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት እውን፡ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ንስደተኛታት ዝሓሸት ክትከውን ተኽእሎ ከምዘየለ እዮም ዝግምቱ–ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”