ወጻኢታት ምክልኻል ሽወደን ብልዕሊ 50% ክዓቢ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ምክልኻል ድማ ክሳብ 2030 ሰራሕተኛታቱ ብ 30%
ከዕብዮም ምዃኑ፥ መንግስቲ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዘውጽኦ እማመ ምክልኻል ሓቢሩ። ሚኒስተር ምክልኻል ፓል
ዮንሰን፡ ትሕዝቶ ናይቲ እማመ፡ ኣብ ኣካላት ምክልኻል ጭዋዳ ዝውስኽ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ዮንሰን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ
መግለጺ፡ “ኣተኲሮና ምዕባይ ዓቕሚ ምክልኻልና’ዩ” ኢሉ’ሎ። ብሰልፊ ደሞክራትና ሽወደን ዝድገፍ መንግስቲ፡ ኩሎም ሓተቲ
ዑቕባ ብኤጀንሲ ስደተኛታት ኣብ ዝካየድ ፍሉይ መንበሪ ዑቕባ ክቕምጡ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ሕጂ ከም ውጽኢት ናይቲ
ብመንግስቲ ዝድገፍ ጽገና ሕጊ ዑቕባ ሽወደን፡ ሓተትቲ ዑቕባ ካብቲ ዝቕመጡሉ ኣውራጃ ንኸይወጹ ዝሕግዝ ስርዓት ምስላጥ
ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ። ንሕክምና ሆስፒታል፣ ወይ ኣብ ካልእ ከባቢ ሃገር ንዝርከቡ ስድራቤት ምብጻሕ ኣብዚ ሕጊ እቱዋት
ኣይኮኑን።