ዓሚ ኣብ ዓለም ንወተሃደራዊ መዓላ 2.4 ትሪልዮን ዶላር ወጻኢታት ከም እተገብረ፡ እዚ ድማ ብዓለምለኻዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ እዩ ተባሂሉ። ሲፕሪ ካብ 1949 ጀሚሩ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክከታተል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ትማል ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ኣብ 2023 ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝነበረ 2.2% ናብ 2.3% ካብ ዓለማዊ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ዕቤት ኣርእዩ’ሎ። ኣብዛ ፕላኔት ዝነብር ህዝቢ ዓሚ ንወተሃደራዊ ወጻኢታት ብማእከላይ ገምጋም 306 ዶላር ግብሪ ኸፊሉ ማለትዩ። እዚ ድማ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝለዓለ መጠን እዩ። እቲ ዕቤት ኣርእዩ ዘሎ ወጻኢታት ብልክዕ ምስቲ ዓለማዊ መጠን ዝቕባበ ዋጋታት 6.8% ብማዕረ ዝኸደ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ናብ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ውጽኢታዊነት ክትርጎም ግድን ኣይኮነን። ከምቲ ሲፕሪ ዝበሎ ግን “ወተሃደራዊ ወጻኢታት ዓለም ኣብ ኣዝዮም ናእሽቱ መንግስታት ኣዝዩ ዝዓበየ ብምዃኑ” ወጻኢታት ምዕሩይ ዝርግሐ ዘለዎ ኣይኮነን። ብመሰረት እዚ መርመራ ኣመሪካ ብ 916 ቢልዮን ዶላር ዝዓበየ ወጻኢታት ዝገበረት ሃገር ኮይና፡ እዚ ድማ 37% ካብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ዓለም ዝውክል’ዩ። ቻይና ብገምጋም ብ 296 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ኣብ ኻልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ’ላ። ሩስያ ብ109 ቢልዮን ዶላር ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘት ኮይና፡ እንተኾነ ግና ብሰንኪ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ካብ ዝፍጸም ንደሓር ኣብ ፋይናንሳዊ ትካላት ሩስያ ዘይግሉጽነት እናወሰኸ ምምጽኡ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ህንዲ ብ 83.6 ቢልዮን ዶላር ራብዓይ ደረጃ ሒዛ’ላ። ዩክሬን ወጻኢታት ምክልኻላ ብ 51% ብምዕባይ ናብ 64.8 ቢልዮን ዶላር ክብ ኣቢላቶ። እዚ ድማ ካብ መሓዙት ሃገራት ዝወጸ 35 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ወፈያታት ከይጸብጸብካ እዩ። እዚ ማለት ድማ 37% ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር፡ ዳርጋ 60% ወጻኢታት መንግስቲ ንምክልኻል ትውፍዮ ከምዘላ ሲፕሪ ገሊጹ። ዋላ’ኳ ካብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ፋይናንሳዊ ሓገዝ እንተተገብረሉ፡ ዩክሬን ሸውዓተ ሚልዮን ከፈልቲ ግብሪ ከምዝኸሰረትን ብመሰረት ኣሃዛት ባንክ ዓለም ድማ ኣብ 2022፡ ማለት ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ናይቲ ኲናት፡ ሓሙሻይ ክፋል ቁጠባዊ ዓቕማ ከምዝኸሰረት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ዕቤት ኣጒሊሕዎ’ሎ።