ኣብ ሞንጎ መንእሰያት ሽወደን ብዘይ ኮንዶም ዝግበር ጾታዊ ርክብ ኣሰካፊ ብዝበሃል መጠን ይካየድ ኣሎ ክብል ውድብ ጥዕና
ዓለም ኣተሓሳሲቡ። እዚ ድማ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታትን ዘይተደልየ ጥንስን ዝመሰሉ ሓደጋታት ብልዑል ደረጃ
ክበራኸት ይገብር ኣሎ ክብል እቲ ውድብ ገሊጹ’ሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊ 40 ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዳርጋ ርብዒ ሚልዮን
ደቂ 15 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኮተቴ ጾታዊ ጥዕና ኣመልኪቱ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ዳርጋ ሲሶ ካብኣቶተን
ኮንዶም ወይ ከኒና ከይተጠቕማ ጾታዊ ርክብ ከምዝፍጽማ ሓቢሩ’ሎ። ሽወደን ድማ ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ ተጠቃምነት ኮንዶም
ዝዝውተረለን ሃገራት እያ ኢሉ’ሎ።
“ኣጠቓቕማ ኮንዶም እናነከየ ምምጽኡ፥ ሽወደን ካብተን 42 ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ተጠቃምነት ዘለወን ሃገራት ኮይና ምህላዋ
ዘሻቕል እዩ” ትብል ፔትራ ሎፍስተድ ኣብ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን