ኢራን ብዛዕባ ውጥናት መጥቃዕቲ እስራኤል ምስጢራዊ ሰነዳት ረኺባ ዝብል ሓበሬታ “ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ” ክትብል ጸሓፊት
ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር ኣብቲ ዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ዣን-ፒየ እቶም ሰነዳት ብኢራን ተረኺቦም ብሓቂ ኸኣ
ብሚስጥር ክተሓዙ ዝተገብሩ ምንባሮምን መረጋገጺ እንተለዋ ንዝቐረበላ ሕቶ “ኣብ ዝርዝር ክኣቱ ኣይክእልን እየ” ድሕሪ ምባል
ሚኒስትሪ ምክልኻልን ካልኦት ትካላት ኣሜሪካን ጸብጻባት ናይቲ ምዝራቚ ይከታተሉ ከምዘለዉ ኣመልኪታ።
“እዚ ኣዝዩ ዕቱብ ንወስዶ፡ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጒዳይ እዩ ዝበለት ፒየር “ካብዚ ንላዕሊ ሓበሬታ ክህበኩም ኣይክእልን እየ፥ እቲ ጒዳይ
ብዝምልከቶም ኣካላት ይምርመር ኣሎ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ’ላ። እዚ እናኾነ መዓልቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክልተ ሰሙን
ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብተን ሸውዓተ ተለዋዋጢ ናይ ምርጫ ልማድ ዘለወን ስቴትስ ዝግበር ምርጫ ኣዝዩ ብርቱዕ
ውድድር ዝሰፈኖ ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ። ዶናልድ ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ድማ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብኡ ንዝርከቡ መረጽቲ
ንምኽሳብ ጻዕሮም ከሐይሉ ጸኒሖም እዮም። ሃሪስ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ፔንስልቨንያ፣ ሚቺጋንን ዊስኮንሲንን ዑደት ክትገብር
እንከላ፣ ትራምፕ ድማ ብጀት ናብ ሰሜን ካሮላይና ብምኻድ ሎሚ ኣብ ግሪንስቦሮ ሰልፊ ከካይድ እዩ። ማእከላይ ገምጋም ድምጺ
ከምዘመልክቶ፡ እዞም ተወዳደርቲ ብ 1 ወይ ክልተ ሚእታዊት ፍልልይ እዮም ዝመራርሑ ዘለዉ። ሃሪስ ኣብ ሰለስተ ካብተን
ሸውዓተ ስቴትስ ብትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ነጥቢ ትመርሕ ኣላ። ትራምፕ ድማ ኣብዚ እዋን ኣብ ፔንስልቨንያን ሰሜን ካሮላይናን
ብትሕቲ ሓደ ሚእታዊት፥ ኣብ ጆርጂያናን ኣሪዞናን ከኣ ብኽልተ ነጥቢ ይመርሓ’ሎ።