ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብጒዳይ ፈለግ ኒል ዝተኽስተ ምስሕሓብ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንኽሽምግል ከም ዝሰማማዕ፡ UN ገሊጹ።
ኣባል ሃገራት UN፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝካየደኦ ኣኼባ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝጀመረ ግን መፍትሒ ዘይተረኽቦ ሽግር፡ ክሽምግላ ተሓቲተን ምንባረን ዝፍለጥ እዩ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ UN፡ ሊንዳ ታመስ ግሪንፊልድ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ሸምግልነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክጋብኣ ጸዊዓ’ላ። ነዚ ሽግር ንምፍታሕ፡ እቲ ዝሓሸ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና፡ ኣመሪካ ከኣ ፖለቲካዊን ተክኒካዊን ሓገዛት ክትቅርብ ድልውቲ እያ”” ክትብል ኣብቲ ናይ UN ኣኼባ ገሊጻ። ኣብ ምምላእን ስርሒትን እቲ ሓጽቢ፡ ዝተመጣጠነን ንዂለን ኣካላት ብማዕረ ዘዕግብን ፍታሕ ንኽርከብ ኲለን ብተወፋይነት ክዓያ ይግባእ ክትብል ወሲኻ ተላብያ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዘካይዶ ልዝባት ክውስኽ ከም ዝደሊ ድሕሪ ምግላጽ ምስ ኣመሪካን UNን ብምዃን ተዓዘብቲ ክልእኽ ድሉው ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ወኪል ሩስያ ኣብ UN፡ ቫሲል ነበንዚያ፡ ብወገኑ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ተራኺበን ጒዳየን ክዝትያ ከም ዝግባእ እማመ ኣቕሪቡሎ።
ኢትዮጵያ ካልኣይ ምምላእ ሓጽቢ ሚለንዬም ክትጅምር ምዃና ድሕሪ ምሕባራ ሱዳንን ግብጽን ነቲ ጒዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ UN ክሓልፍ ምግባረን ዝዝከር እዩ። ሱዳንን ግብጽን ባይቶ ጸጥታ ንምምላእ ማይ እቲ ሓጽቢ ኣመልኪቱ ቀያዲ ውሳነ ከሕልፍ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዝነበረን ጸብጻባት የመልክቱ።