ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዋሽንግተን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክሬይን ኣንጻር ሩስያ ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ከይትጥቀም ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕል ምዃና ኣተንቢሁ። ዩክሬይን እዚ ሚሳይላት ክትትኲስ እንድሕሪ ፍቓድ እንተተዋሂብዋ፡ እዚ ገደብ ንምፍታሕ ዘቕረበቶ ተደጋጋሚ ሕቶታት ምላሽ ክትረኽበሉ እያ ማለት እዩ፡፡ ዩክሬይን ብምኽንያት እዚ ገደብ ኢዳ ተኣሲራ ኣንጻር ወራር ሩስያ ትምክት ምህላዋ ሰብመዚ እታ ሃገር ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ሩስያ ብዛዕባዚ ጒዳይ ርእይቲ ካብ ምሃብ ተቖጢባ’ላ። እንተኾነ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣቐዲሙ ዝብ ዝህቦ ዝነበረ መደረታት፥ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ “ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤናት” ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ። ባይደን ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን መዘናኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚን፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ኪየቭ ንምርኻብ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን’ዩ። ብሊንከን፡ ዕላማ ዑደቱ ብዛዕባ “ዕላማታቶምን ነቶም ድሌታት ንምድጋፍ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን” “ካብ መሪሕነት ዩክሬን ብቐጥታ ንምስማዕ” ምዃኑ ገሊጹ እዩ።
ብሊንከንን ላሚን ኣብ ለንደን ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብ ብሓባር ናብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዩክሬን ይገሹ ኣለዉ። ብሊንከን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበሮ ዑደት፡ ኢራን ኣብ ውሽጢ ሳምንታት ኣንጻር ዩክሬን ክትወፍር ከምትኽእል ብምግላጽ፡ ኢራን ንሩስያ ናይ ሓጺር ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዘቕረበት ብምልዓል ከሲሱ’ሎ። ላሚ ብወገኑ ነዚ ስጉምቲ ኢራን “ኣዝዩ ሓደገኛ ምዕባለ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።
እቶም ሚሳይላት ንመሳርሒታት ሩስያ ከዕብዩ ልዕል ተኽእሎ’ሎ፡፡ እዚ ድማ ንዶባት ኣብ ዶብ ሩስያ ንዘለዋ ከተማታት ወይ ድሮ ዝቆጻጸሮም ከባቢታት ንምሕላውን ናብ ውሽጢ ኣብ እትገብሮ ገስጋስ እዞም ንነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ሚሳይላታ ኣብ መሬት ዩክሬን ክትሃርም ዘኽእላ እዩ። ኢራን ንሩስያ ከምዚ ዓይነት ባዕሉ ዝምራሕ ሚሳይል ኣየቐብኲን ክትብል ብተደጋጋሚ ትኽሕድ ምጽንሓ ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።