ሃገራዊ መንግስታዊ ጡረታ ካብ ምእታው ዝመጽእ ዓመት ብኣርባዕተ ሚእታዊት ክውስኽ እዩ። ማእከላይ እቶቶም ወርሓዊ 18
ሽሕ ክሮና ዝኮኑ ሰባት ብ720 ክሮና ዝልዕል ደረጃ ጡረታ ክህልዎም እዩ ማለት እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ወሰኽ ንውሕስነት ጡረታ
ዘለዎም ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ መዋእሎም ውሑድ ወይ ፈጺሞም ኣታዊ ዘይብሎም ሰባት ክንድቲ ዓቢ ኣይክኸውንን እዩ።
“እዚ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ዓመት ዝለዓለ ወሰኽ ስለዝኾነ፥ ኣብ ኣታዊታት ጡረታን ፋይናንስ ጡረተኛታትን ጽቡቕ ወሰኽ እዩ
ክበሃል ይከኣል እዩ” ክትብል ሚኒስተር ኣረጋውያንን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣን ተንየ ገሊጻ’ላ።
እዚ እናኾነ–ሽወደናዊት ባንድ ኬንት ኣብ 2016 ካብ ስራሕ ድሕሪ ምስንባታ ንፈለማ እዋን ኣብ መድረኽ ክትቀርብ ምዃና
ኣፍሊጣ። ካብ ተስዓታት ጀሚራ ካብ ዓበይቲ ባንድታት ሽወደን ሓንቲ ዝኾነት ኬንት፡ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ
ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ቴለ 2 ኤረና ሰለስተ ለይቲ ምርኢት ከቕርባ እየን። እቲ ዜና ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን
ብኢንተርነትን ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ብቕልጡፍ ክዝርጋሕ ክኢሉ’ሎ። ጋዜጠኛ ሙዚቃ ፍረድሪክ ስትራጅ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ
ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኬንት ማዕረ U2ን Depeche Mode ዓባይ ሽወደናዊት ኣሬና-ሮክ ባንድ እያ ነይራ። ናብ መድረኽ ምምላሳ
ናይ ብሓቂ ዓቢ ነገር እዩ” ኢሉ’ሎ።