ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዙሕ ግዜ ዘሕለፈ ሓደ ጡረተኛ፡ ሕጂ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ፡ ጡረታኡን ካልእ መልዕሎኡን ክመልስ ክግደድ እዩ ተባሂሉ። እቲ ድምር ኣብ ከባቢ 900 ሽሕ ክሮና ምዃኑ ጋዜጣ ሲድስ ቨንስካን ሓቢራ’ላ። ሓደ ሰብ ኣብ ሽወደን ነባሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ከብቅዕ ፡ ብጭቡጥ ግን ኣብኡ ዘይነብር እንተኾይኑ፡ ነቲ ”ዋሕስ ጡረታ” ናይ ምሕታት መሰሉ ክትስእን ይኽእል እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ;; ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፕ ቲክቶክ ኣብ መንእሰያት ሽወደን እናወሰኸ ምምጽኡ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኤም.ኤም.ኤስ ትካል መጽናዕቲ ዕዳጋ ኣብ ሽወደን መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ሽወደን ብኸመይ ኣብ ጠቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ ዝብል መጽናዕቲ ጌሩ ምንባሩ ይሕበር። ከም ስናፕቻትን ቲክቶክን ዝኣመሰሉ መድረኻት ብሰፊሕ ቊጽሪ መንእሰያት እምበር ብቐንዱ ብኮተቴ ሽወደን ጥራይ እዮም ኣብ ጠቕሚ ዝውዕሉ ዘለዉ ዝብል ሓበሬታ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤምኤምኤስ ማግኑስ ኣንሰልም ገሊጹ’ሎ