ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ሓያሎ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ክገዝኡ እናፈተኑ ተረኺቦም ንሓደ ወርሒ ክእሰሩ ተፈሪድዎም። እዚ ማእሰርቲ ዝተበየኖም ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ነሓሰ 2022 ሕጊ ዕድጊ ጾታዊ ርክብ ሽወደን እዩ። ሓደ ካብዞም ጉዳያት ዝዳነየ ቢዮርን ስኮንስበርግ፡ ደጋጊሞም እዚ ገበን ዝፍጽሙ ሰባት ካብ ማእሰርቲ ወጻኢ ፍርዲ ክወሃቦም እኹል ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ።
“ብተደጋጋሚ ነዚ ገበን ብምፍጻሞም በደሎም ብተንስሳፋፊ ማእሰርቲ ጥራይ ክሓልፈሎም ግቡእ ኣይነበረን” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።