ኣብ ኣኽራናት ሽወደን ዝርከብ ሓለዋ ዘይግበረሉ ጥንታዊ ጫካ ብፍጥነት ይበርስ ከምዘሎ ዳህሳስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ
ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ዝተኣዘዘ መርመራ ኣግራብ ሓለዋ ክገብረሉ ካብ ዝወጠነ ልዕሊ
6000 ኤከር ዝስፍሓቱ ጫካ ተቖሪጹ’ሎ። እዚ ብምዃኑ ሓለዋ ክግበረለኡን ክስስን እኳ ጻውዒት ተጌሩ እንተነበረ፥ ሕጂ ዘሎ
ይዂን ዝጸንሑ መንግስታት ነዚ ጫካ ዝግባእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃብዎ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ካብ 2020 ኣትሒዙ ዝነበረ
ዝርግሐን ጻዕቂን እዚ ጫካታት ብሳተላይት ድሕሪ ዝተገብረ ገምጋም እዞም ጫካታት ኣብ ኣዝዩ ዝሓጸረ እዋን ምብራሶም
ተመልኪቱ’ሎ።
“እዚ ኣዝዩ ንሓጺር ዝጥምት ተግባር እዩ፥ ንሓደ ሽሕ ዓመታት ዝጸንሐ ኤኮሲስተም ከምዚ ኢሉ ክዓኑ ምርኣይ ዝሕዝን እዩ። እዚ
ጫካ ብብዙሕነት ሃብታም እዩ ኔሩ” ክብል ኣብ ያምትላንድ-ሃርየዳለን ፕረዚደንት ዕቀባ ተፈጥሮ ኡልፍ ቮን ሲዶው ገሊጹ’ሎ።
ሚኒስተር ኣከባቢ ሮሚና ፑርሞክታሪ፥ እዚ ምብራስ ኣግራብ ምስ ሕጽረት ኦም ሓርከም (ቲምበር) ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ
እያ ትገልጽ። ኣቐድም ኣቢሉ ዕንጸይቲ ሓርከም ካብ ሩስያ ይሽመት ምንባሩ እንተኾነ ግና ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን
ሩስያ ነቲ ዕንጸይቲ ከምቲ ቐደም ናብ ሰደድ ተውዕሎ ዘይምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ፥ ይዂንምበር ሚኒስትሪኣ ኣግራብ ከይቊረጹ
ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።