ዝሓለፈ ረቡዕ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ብሸነኽ ደቡብ ኣብ እትርከብ ከተማ ሁዲንገ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ
ተመሃራይ ዝተፈጸመ ናይ ብረት መጥቃዕቲ፥ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ብዛዕባ ዘሎ ድሕነትን ጸጥታን ሓድሽ ክትዕ ኣለዓዒሉ።
ገሊ ካብዞም ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት ከም ኣካል ስጒምቲ ምምሕያሽ ጸጥታ፥ ቦርሳታት ተመሃሮ ፈተሻ ክግበረሎም ክጽውዑ
እንከለዉ፡ ሓላፊ ማሕበር መምህራን ሁዲንገ፡ ኣብ ባይተ ትምህርቲ ዝተገብረ ምጒዳል ባጀት፡ መምህራን ድሌታት ነፍሲ ወከፍ
ተማሃራይ ንምፍታሽ እኹል ኣተኲሮ ንኸይገብሩ ምኽንያት ኮይኑሎ ዝብል ስክፍታኡ ገሊጹ’ሎ።
ምስዚ ገበን ብዝተኣሳሰር ሓደ ወዲ 15 ዓመት ኮተቴ ብፈተነ ትለትን ዘይሕጋዊ ውነና ኣኣጽዋርን ተጠርጢሩ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ
ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።