ሎሚ ረቡዕ ኣብ ገለ ክፋል ደቡባዊ ፊንላንድ ህቦብላ ቀውዒ ክረአ እዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ፥ ኣብ ፎረካ ክኢላ ሜትሮሎጂ
ጆናስ ኮስከላ ንሄልሲንጊን ሳኖማት ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣፍሊጡ። ኣዝዩ ትሑት ጸቕጢ ዘለዎ ኲነታት ኣየር፡ ናብቲ ዞባ ብርቱዕ
ዝናብ ከምጽእ ምዃኑ፥ ኣብ ድሮ ሰዓታት እቲ ዝናብ ከኣ ናህሪ ዘለዎ ንፋስ ከም ዝረአ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። እቲ ናህሪ ነቲ ልሙድ
ትርጉም ህቦብላ ናብ ዘማልእ ደረጃታት ከብጽሕ ከም ዝኽእል፥ – ማእከላይ ፍጥነት ናይቲ ሽዑ ዝረአ ንፋስ ኣብ ካልኢት ልዕሊ 21
ሜትሮ ኮይኑ ን 10 ደቓይቕ ክጸንሕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ደቡባዊ ፊንላንድ ሙቐት ንመብዛሕትኡ መዓልታት እዚ ሰሙን ኣብ
ከባቢ 10 ዲግሪ ሼልሰስ ክጸንሕ ምዃኑ ይግመት። ዓርቢ ግን እቲ ሜርኩሪ ክሳብ 15 ዲግሪ ሼልሴስ ክድይብ ይኽእል እዩ። ኣብ
ሄልሲንኪ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ህቦብላ ኪርክ ብ ወገን ኣትላንቲክ ናብ ኤውሮጳ ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣየር፥ ካብቲ
ልሙድ ብሓደ ክልተ ዲግሪ መውቕ እዩ ።
“ልክዕ ንምዃን ተረፍ እቲ ህቦብላ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ካብኡ ናብ ዝትሕት ጸቕጢ ኣትዩ ክውሓጥ’ዩ” ኢሉ’ሎ ኮስከላ።
ደቡባዊ ፊንላንድ ንህቦብላ ቀውዒ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ምፍላም እዚ ሰሙን ሰሜናዊት ፊንላንድ ብተዛማዲ ልሙድ
ኲነታት ኣየር ዊንተር ክረአ ትጽቢት ይገብር ኣሎ፡፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ሰፊሕ ክፋል ላፕላንድ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ
ሴንቲ ሜተር ዝኸውን በረድ ክወድቕ ከምዝኽእል ትንበያታት ይሕብሩ። እቲ በረድ ዝፈጥሮ ኹነታት ጽርግያ ንመራሕቲ መካይን
በዳሂ ክገብሮ እውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝመጽእ ዓርቢ፡ ብተዛማዲ ዝሞቐ ኣየር ናብ ሰሜናዊ ዞባታት ክውሕዝ ምዃኑ፡
እዚ ድማ ኣብ ምጅማር ዝመጽእ ሰሙን ን ዝወድቕ በረድ ከምክኾ እዩ። ኣብ ኩሉ ከባቢታት እታ ሃገር ሙቐት ለይቲ ልዕሊ እቲ
በረድ ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።
መስከረም ኣብ ገለ ከባቢታት ፊንላንድ ልዑል ሙቐት ከምዝነበረ ትካል ሜትሮሎጂ ፊንላንድ (FMI) ይሕብር። ስታቲስቲክስ
ኩነታት ኣየር ከምዘመልክቶ፡ ኣብ መላእ ፊንላንድ ማእከላይ ሙቐት ናይቲ ወርሒ 12.2 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ
መስከረም 2023 ዝነበረ ዝለዓለ ሙቐት ዝመጣጠን እዩ።
ብኻልእ ሸነኽ ህቦብላ ሚልተን ናብ ፍሎሪዳ ገጹ ይግስግስ ኣሎ። እዚ ህቦብላ “ኣዕናዊ” ንፋሳትን መሸንቦባን ከምዘምጽእ
ኣሜሪካውያን ትንበያታት ኣጠንቂቖም። እቲ ህቦብላ ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ታምፓ ቤይ ክሃርም ምዃኑ፡ እታ
ኣውራጃ ብህቦብላ ሄሊን ብሕማቕ ድሕሪ ምጥቃዓ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ ዝኽሰት ዘሎ። ሚልተን ኣብዚ ክሳብ
መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዝቕጽል “ኣትላንቲክ ሲዝን” 2024 ን ታሽዓይ ግዜ ዝኽሰት ዘሎ ህቦብላ እዩ። ህቦብላታት ኣብ ውዑይ
ትሮፒካዊ ማያት ውቅያኖስ ዝፍጠሩ ማዕበላት እዮም። ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ድማ ሳይክሎን ወይ ታይፎን ተባሂሎም ይጽውዑ
እዮም። ብሓባር ድምማ “ትሮፒካዊ ህቦብላታት” ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ።