ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ንደሓር ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቡ እንተኾይኑ ተሓቲቱ ክምልስ
ከም ዘይደሊ ገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሙን ብገዲም ሪፖርተር ዋተርጌት ቦብ ዉድዋርድ ዝተጻሕፈ ሓዳስ መጽሓፍ ከምኡ ከምዝገበረ
ዝገልጽ ጸብጻባት ሒዛ ድሕሪ ምውጽኣ ብፍላይ፥ እዚ ጒዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ዋና ኣሰናዳኢ ብሉምበርግ ኒውስ ጆን
ሚክለትዋይት እቲ ወረ ሓቂ ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ ትራምፕ “ምስ ፑቲን ኣዕሊለ እንተዝከውንከ ብልሒ እዩ ፑቲን 2000
ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝውንን ሰብ እኮ’ዩ” ኢሉ። እንተኾነ ግና ንፑቲን ረኺብዎ ድዩስ ኣይረኸቦን ቊርጽ ዝበለ መልሱ ክህብ
ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ ኣይህብን እየ” ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ።