ሰፋሕቲ ክፋላት ሽወደን ሎሚ ብሰንኪ ሕማቕ ኲነታት ኣየር ብኣሉታ ክጽሎ ከም ዝኽእል ድሮ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ብርቱዕ ውርጭን መሸንቦባን ክረአ ምጅማሩ ተገሊጹ። በዚ ድማ “ሃገራዊ ማእከል ኩነታት ኣየር ሽወደን”SMHI–ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ካብ ስካን ኣትሒዙ ክሳብ ቫርምላንድ፡ ኣብ ኣውራጃታት ስቶክሆልምን ኡፕሳላን ከምኡ’ውን ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ከባቢ ኣውራጃ ቫስተርቦተንን ህቦብላ በረድን ብርቱዕ ንፋስን ክህሉ ምዃኑ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ ሰሜናዊ ኣኽራናት ያምትላንድን ደቡባዊ ኣኽራናት ኖርቦተንን እውን መሸንቦባ ክረአ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እዚ እናኾነ ትማሊ ጽርግያ E22 ብውሕዱ ድሕሪ ኣርባዕተ ዝተኸስቱ ሓደጋታት፥ ኣብ መንጎ ሉንድን ጋርድስታንጋን ብኽልቲኡ ኣንፈት ንሰዓታት ከም እተዓጽወ ተፈሊጡ። ፖሊስ፡ እተን መካይን ንዝነበረ ሪጋ ኣብ ሓደጋ ከየእተዋ ብሰላም ኽሓልፋ ንምግባር ነቲ ጽርግያ ከምዝዓጸውዎ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ካብቲ ቦታ ንሰሜን ሒደት ኪሎሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ተመሳሳሊ ጽርግያ ኣስታት 1000 መካይን ንኽንድኡ ዝኣክል ግዜ ተዓጽየን ምንባረን ዝፍለጥ እዩ። ከባቢ ሰዓት 1.30 ድሕሪ
ቀትሪ፡ ሓደ መስመር ናብ ደቡብ ገጹ እኳ እንተተኸፍተ፡ ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ በረድ ድሕሪ ምዕጻወን፡ እቲ ጽርግያ ኣብ ስሜናዊ ሸነኽ ክርስቲያንስታድ ክዕጾ ተገዲዱ እዩ። ትማል ረቡዕ ኣብ መንጎ ሎማን ብያረድን ኣብ ዝርከብ E6 ሞተርዌይ፡ ብኣንፈት ሰሜን፡ ኣርባዕተ መካይን ኣብቲ በረድ ድሕሪ ምግልባጠንን ካብ ጽርግያ ምንድልሃጸንን ደው ክብል ተጌሩ እዩ። ብምኽንያት እዚ ክስተት ዝኾነ መጉዳእቲ ከምዘጋጠመ እኳ እንተዘይተሓበረ፡ እቲ ጽርግያ ጸርዩ ንኣገልግሎት ድሉው ንክኸውን ቁሩብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ኩነታት ጽርግያታት ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ኣብ ምዕራባዊ ክፋላት ኣብ ሕማቕ ደረጃ ስለዘሎ ሰባት ኣገዳዲ ኲነታት እንተዘይጋጢምዎም ናብ ጽርግያታት ካብ ምውጻእ ክቚጠቡ” ኣፈኛ ፕረስ ፖሊስ ካታሪና ሩሲን ንማዕከን ዜና ሽወደን ቲቲ ተዛሪባ’ላ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ሓያሎ ሓደጋታት ኣጋጢሞም እዮም። ኣብ ጥቓ ቫራ ዘላ ጎደና E20 ድሕሪ ናይ ጽዕነት መካይን ክሓልፋ ብዘይምኽኣለን ከባቢ ሰዓት 9 ንግሆ ክትዕጾ ተገዲዳ እያ። ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ፖሊስ ነቲ መንገዲ ዳግማይ ክኽፈት ምግባሮም ትራፊክ ከኣ ብመጠኑ ህዱእ ምንባሩ ኣፈኛ ፖሊስ ምዕራባውያን ሃንስ-ዮርገን ኦስትለር ኣመልኪቱ’ሎ። ሰባት ብሓፈሻ ን መጠንቀቕታታት ኣቓልቦ ዝህቡን፡ ብጥንቃቐ ዝዝውሩ፥ ወይ ካብ ገዝኦም ዝሰርሑ ዘለዉ ኮይኑ ይስምዓኒ ክብል ንቲቲ ተዛሪቡ’ሎ። ንደገ እንተወጺእካ ግን ገና ኣብ ሪጋ ክትዕገት ትኽእል ኢኻ። ንፋስ ስለዘሎ በረድ ቀልጢፉ ክእከብ እዚ ድማ ሓደገኛ ኲነታት ክፈጥር ስለዝኽእል ኣገዳዲ ነገር እንተዘይተፈጢሩ ደገ ካብ ምውጻእ ክቚጠቡ ምመኸርኩ ክብል ወሲኹ ተላብዩ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላንድቨተር፡ ናብ ኣምስተርዳም ትኸይድ ዝነበረት ነፋሪት ኬኤልኤም ካብ ራንወይ ነፈርቲ ኣንደልሂጻ ኣብ በረድ ምሽኻላ እንተኾነ ግና በቲ ፍጻመ ዝቖሰለ ሰብ ከም ዘየለ ማዕከን ዜና “ዘ ሎካል” ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።