ትካል ስደተኛታት ሽወደን ብድርኺት ፖሊሲ ኢሚግሬሽን መንግስቲ መስርሕ ዑቕባ ንምቅልጣፍ ኣብ ኣሰራርሓኡ ዳግመ ውደባ
ይገብር ምህላዉ ተፈሊጡ። ቁጽሪ ናይቶም ናብ መበቆል ሃገሮም ዝምለሱ፥ ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽጉ ሰባት ንምዕባይ ተወሳኺ
መሳለጥያታት ይዳሎ’ሎ።
“እቲ ፖሊሲ ኣዝዩ ንጹር እዩ፡፡ ምምላስን ንምውሳኽ ከምኡ’ውን ምምእሳርን ንምስላጥ ዘድሊ መሳርሒታት ኣብ መስርሕ
ዑቕባ ብውሁድ ኣገባብ እዩ ክካየድ ዘለዎ” ክትብል ዋና ዳይረክተር ናይቲ ትካል ማርያ ሚንደማር ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን
ገሊጻ’ላ።