ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤጀንሲ ሚግሬሽን ሽወደን ንኣስታት 1200 ታይላንዳውያን ፍቓድ ስራሕ ምልቃም በርመረ ሂቡዎም፡፡ እዚ ፍቓድ ስራሕ ዝተዋህቦም ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ እቲ ትካል ዝሃቦ ውሳነ ውዱቕ ድሕሪ ምግባሩ እዩ። እቲ ፍቓድ ኣብ ፈለማ ዝተነጽገሉ ምኽንያት እቲ ትካል ብዛዕባ ኩነታት ስራሕን ደሞዝን ዘለዎ ስክፍታ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ግዝያዊ ኣካያዲ ኣሃዱ ኤሪክ ሆልምግረን፡ ብሓገዝ ካልኦት ትካላት፡ ኩነታት ስራሕ ናይቶም በርበረ ዝእክቡ ሰባት፡ ንውዕሎም ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ክምርመር ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።