ምስቶም ኣብ ስከለፍቲዮ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ባትሪ ኖርዝቮልት ካብ ስራሕ ዝሰናበቱ ልዕሊ 800 ሞያውያንን መሃንድሳትን
ሰራሕተኛታት ማሕበር IF Metall ግላዊ ዝርርብ ተኻዪዱ። ሽወደናዊት ሬድዮ P4 Västerbotten ምስ ሓደ ካብዞም
ሰራሕተኛታት ዕላል ጌራ’ላ። እዚ ኣብ ክንዲ ብስሙ ”ሉካ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝተገብረ ሰራሕተኛ፣ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን
ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክሰናበቱ እንከለዉ ዝነበሮም ስምዒት፥ እዚ እዘን ዝመጻ ሒደት መዓልታት ንእእ ከበድቲ ክኾና እየን
ዝብል ግምት ከምዘለዎ ይዛረብ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብቲ ቦታ ዘሎ መጠን ሽቕለት ንምዕቃብ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል
ሕቶ’ውን ኣለዓዒሉ’ሎ። ቋንቋ ሽወደን ንምምሃር እንታይ ዝሰለጠ መንገዲ ኣሎ፥ እዞም ብምምሕዳር ከተማ ስከለፍትዮ ዝርከቡ
ዘለዉ ስራሓት ከኣ እኹል ክፍሊት ዝህቡ እንተኾይኖም እዞም ብፍቓድ ስራሕ ዝመጹ ኣብኡ ምንባር ክቕጽሉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ
ኲነታት እውን መዛረቢ ኣርእቲ ኮይኑ’ሎ። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ሉካ እቲ ትካል ንሰራሕተናታቱ ዘሰናበተሉ ኣገባብ ከም ዘየሐጎሶ
እዩ ዝዛረብ። ዝመጽእ ሰሙን ስራሕ ክህልዎ ድዩ ኣይህልዎን ንባዕሉ ርጉጽ ኣነጺሩ ከም ዘይፈልጥ ድሕሪ ምግላጽ፥ ምስቶም
ኣቐዲሞም ካብ ስራሕ ዝወጹ “ብብዙሕ ምንባዕን ምጽንናዕን ኢና ተፈላሊና” ክብል ነታ ሬድዮ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማልሞ ዝርከቡ ጉጅለ ተማሃሮ፡ ንጥፈታት ስፖርት ዘካየደሉ ናይ መፋቐሪ–ዴቲንግ–ክለብ የበግሱ ኣለዉ። እቲ
ተበግሶ፡ ዝጸንሐ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣገባብ መራኸቢ ደለይቲ ፍቕሪ ኮይኑ- ብንጥፈት ጒያ ኣቢሉ ነቲ ዝጸንሐ ብ ኦንላይን
ዕርክነት ናይ ምህናጽ ባህሊ ግብረ መልሲ ዝህብ እዩ።
”ኩሉ ነገር ብዑደት እዩ ዝፍጸም፡ ናይ ሕጂ መንእሰያት ቲንደር እምበር፡ ካልእ ኣይፈልጡን። ሕጂ እቲ ጽቡቕ ነገር ንሱ እዩ” ትብል
ሓባራዊት መስራቲት ኒኮል ሳል።