መማህራን ሽወደን ተማሃሮ ከም ክልሰ ሓሳብ ዓሜትነትን ጾታን ዝኣመሰሉ ኣከራኸርቲ ዝበሃሉ ጉዳያት ክድህስሱ ክፈቕዱ ኣለዎም
ክብል ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ስኮልቨርከት ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ኣመሪካ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣርእስቲታት ኣብ ገሊኡ ኣብያተ
ትምህርቲታት ክልኩላት ምዃንም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብ ገለ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ጾታዊ ትምሀርቲ ይወሃብ ዶ
ኣይወሃብ ክትዕ ምህላዉ እዩ ዝንገር። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳላርና ላዕለዋይ መምህር ታሪኽ ኣንደርሽ ብሎምቪስት ከም ዝበሎ፡
መምህራን ኣብ ከም ዓሌት፡ ጾታን ሕዳጣንን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ዝካየድ ዝርርባት ናይ ፖሊስ ተራ ብምጽዋት ክፈቕዱን
ክኽልክሉን ከም ዘይግባእ እዩ። ርግጹ’ዩ እዚ ዕቀባ መማህራን እዞም ኣርእስቲታት ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ብምዃኖም ብኸመይ
ክሕዝዎ ከም ዘለዎም ካብ ዝስምዖም ስክፍታ ዝብገስ እዩ። ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ዝግበር ልምምድ ደው
ክብል ዝግበኦ እዋናት ግን ኣሎ ይብል። ንሱ ኸኣ እቲ ዘረባ “ናብ ደረት ዘረባ ጽልኢ እንተተገማጊሙ ጥራይ እዩ፥ ሽዑ እቶም
መማህራን ደው ከብልዎ ይግብኦም” ይብል።