ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ይዳለዉ ከምዘለዉን፡ ኣብ ስቶክሆልም ትካል ሮያል ኢንስቲትዩት
ኦፍ ቴክኖሎጂ (KTH) ድማ እቲ ስምዒት ናብ ውዕዉዕን ፈስቲቫል ዝመስልን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ካብ ሓሙሽተ ተማሃሮ KTH ሓደ
ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽእ ኮይኑ፡ ገሊኦም ኣብ ሸደን ዝነበሮም ጻንሖት ኣመልኪታ ሬድዮ ሽወደን ኣዘራሪባቶም ኔራ። ሺ ዛኦያንግ
ካብ ቻይና መጺኡ ብናኖቴክኖሎጂ ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ዝከታተል ዘሎ ኮይኑ– ስቶክሆልም ብመዳይ ጸጥታ “ውሕስቲ ሃገር”
ኮይና ከምዝረኸባ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ”ኣዝዩ ፈታው ሰብ” ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ክሊኒካት ተላባዒ ሕማማት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዝተረኸበ ሓድሽ ጅር
ቫይረስ ማንኪ ፖክስ ምኽንያት ብምግባር ክታበት ብዝጠልቡ ሰባት ብዙሓት ጻውዒታት ከምዝበጽሐን ይገልጻ ኣለዋ። እዚ
ይዂንምበር ጸረ ቫይረስ ማንኪ ፖክስ ጅር ክላድ ዋን ብቚጽሪ ድሩት እዩ ዘሎ ተባሂሉ።
“ኣብ ዓለም ውሱን መጠን ክታበት እዩ ኣሎ፥ እቲ ኣገዳሲ ነገር ድማ መብዛሕትኡ መጠን ክታበት ብሓቂ ጽቡቕ ኣብ ዘድልየሉ ቦታ
ምኻዱ እዩ” ይብል ክኢላን ተጸዋዒ መንግስቲን ሕማማት ለበዳ ማግኑስ ጊስለን።