ቁጽሪ ሃደንቲ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ተገሊጹ። ደቂ ኣንስትዮ ንበይነን፥ ብናይ ርሕቀት ብረት ተዂሲ ዘካይዳሉ
ንጥፈት ዝያዳ ተፈታዊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ዓሚ ናይ ሃድን መርመራ ካብ ዝወሰዱ እተን ልዕሊ ርብዒ ሰባት ደቂ ኣንስትዮ
ምንባረን ስታቲስቲክስ ናይቲ ከም ለይቲ ምትኳስ ዝኣመሰሉ ንደቂ ኣንስትዮ ሃድንን ተዛመድቲ ንጥፈታትን ንምድላው ዝሕግዝ
ማሕበር ሃድንን ምሕደራ እንስሳ ዘገዳምን ሽወደናዊ ስታቲስቲክስ ይሕብር።
“ኣኮይ ብዙሕ ይሃድን ምንባሩ እዝክር፥ ደቀንስትዮ ክሃድና ግና ኣይፍለጠን። ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ሓወይ ክጽንበር ይኽእል
ነይሩ ኣነ ግን ኣይከኣልኩን። ወዲ 50 ዓመት ምስ ዝኸውን እየ ናብ ሓደ ኮርስ ከይደ ፍቓደይ ክረክብ ክኢለ” ክትብል ጓል 75
ዓመት ሃዳኒት ኢቫ ቲደፈልት፥ ንሬድዮ ሽወደን ካብቲ ኣብ ሃኒንገ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ምትኳስ ዝምግር ምሸት ገሊጻ። ብኻልእ ዜና
ከም ኤዲኤችዲን ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደርን ዝኣመሰሉ መርመራታት ስነኣእምሮኣዊ ክንክን ዘድልዮም ኒውሮዳይቨርስ
ህጻናት ዝሳተፍዎ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ማልሞ ተጀሚሩ። Hyllie IK ኣብ ስኮነ ፈጢራታ ዘላ ጋንታ ኒውሮዳይቨርስ ዝሳተፍዎ ናይ
መጀመርታ እያ። እቶም ካብ 6-15 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጻወትቲ ብዘይ ገለ ጸቕጢ ንጹርን ቀሊልን መምርሒታት ዘለዎም፥
ልምምድ ይወስዱ ኣለዉ