ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡
ዞባዊ ምምሕዳራት ሽወደን ተወሳኺ ሓገዝን ድጎማ ባጀትን ሓቲተን
ሸለልትነት ዜጋታት ንመኸተ ኮቪድ 19 ዝዕላምኡ መመርሒታት ቁጠዐ ፈጢሩ።
መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ። ናይ ፕሮግራም መታሓሳሳቢ፣- ኣልኮምፒስ ትግርኛ ማዕከናት ፈነውኡ ንምስፋሕ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ ኣብ ኩለን ዘመናዉያን ዲጂታላዊ መሳርሕታት ማለት ቴሌፊናት ኣይፓድን ኮምፑተራትን ዘገልግል ኣፕ ብምድላዉ ኣብ ቀረባ ግዜ፣ ናብ ስራሕ ከምዘዉዕልን፣ ፈነወ ራድዮ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኸኣ ናይ ፈተነ ፈነወ ብምጅማር ምስ ምጅማር እዚ ኣፕ ከምዝጅመር ከነበስር ንፈቱ።