ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን ኣብ ዴንማርክ ዝተኣስሩ መንእሰያት ሽወደናውያን ንነብሶም ካብ ካብ ጕጅለታት ገበነኛታት ከግልሉ
ፈቲኖም ምንባሮም ገሊጾም። ገለ ካብቶም ኣብ ደንማርክ ንዝርከቡ ገበነኛታት ጉጅለታት ወኪሎም ጎነጻዊ ገበናት ፈጺሞም ወይ
ክፍጽሙ ኣብ ምንቅስቓስ እናሃለዉ ብፖሊስ ዴንማርክ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሽወደናውያን ቅድሚ ሕጂ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት
ሽወደንን ካልኦት ሰብመዚን ዝተፈላለየ ግብረመስልሲ ከም ዝተዋህቦም እዩ ዝሕበር ዘሎ። ይኹንምበር፡ እዚ ጻዕርታት እዚ
እናሃለወ፡ እቶም መንእሰያት ብጉጅለታት ገበነኛታት ምምልማሎም ከም ዝቐጸልሉ መርመራ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።
“ሰይድ”፡ ኣቦ ሓደ ካብቶም ሕጂ ብፈተነ ቅትለት ተኣሲሮም ዘለዉ መንእሰያት፡ ቅድሚ ሕጂ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ማሕበራዊ
ኣገልግሎት ሽወደን ተራኺቡ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
እዚ እናኾነ ኣስታት 12 ሽሕ ኩባንያታት፡ ትካላትን ሰብመዚን ኣብ ምዝገባ ተሽከርከርቲ መመልከቲ ምእታዎም ድሕሪኡ ድማ
ቀጥታዊ ናይ ምእታው ዕድል ምርካቦምን ይሕበር ኣሎ። እዚ መዝገብ እዚ ዝርዝር ምህርትን ክፍልታትን ተሽከርከርቲ ከምኡ’ውን
ዝርዝር ዋንነት ዝህብ ዳታ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ። እንተኾነ ግና ገበነኛታት ነዘን ኲባንያታት እናትጠቕሙ ነቲ መዝገብ
ይምዝምዙ፥ ድሕሪኡ ክቡራት ተሽከርከርትን ክፍልታተንን ክሰርቁ የኽእሎም ኣሎ ክብል “ሮያል ኣውቶሞባይል ክለብ” ስክፍታኡ
ገሊጹ’ሎ። ”12 ሽሕ ኩባንያታት ነዚ ዳታ ክጥቀማሉ ይኽእላ ምህላወን ክንጭነቕ ይገብረና ዘሎ ጒዳይ እዩ” ክብል ኣቦ መንበር
ሮያል ኣውቶሞቢል ክለብ ኣንደርስ ኢድስተድ ገሊጹ’ሎ።