ሽወደናውያን ኣይሁድ ክቐትሉ መደብ ኣውጺኦም ብዝብል ጠርጠራ እተኸሱ ኢራናውያን መጻምድቲ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ዝያዳ መርትዖታት እኳ እንተነበረ፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ግን ነቲ ሓበሬታ ክጥቀመሉ ኣይከኣለን ክትብል ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ መርመራ ገሊጹ። ነዚ መርትዖ ሽወደን ከይትጥቀመሉ ዝኸልከለት ካልእ ሃገር ምዃና እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ማህዲ ራመዛኒን ፈረሽተህ ሳናይፋሪድን ኣብ 2022 እዮም ናብ ኢራን ተሰጒጎም። ክልቲኦም ነቲ ግብረሽበራዊ ውዲት ኣሊምኩም ዝብል ክሲ ሓሶት እዩ ብምባል ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ምሃቦም ዝፍለጥ እዩ።
Related Stories
September 18, 2024
September 18, 2024