መራሒ ሽወደናዊ ጕጅለ ገበን ራዋ ማጂድ ኣብ ኢራን ከም ዝተኣሰረ፥ ሓያሎ ነጻ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ተለቪዥን
ሽወደን SVT ሓቢሩ። ፖሊስ ሽወደን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ይኹኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ
ከረጋግጹን ከም ዘይከኣሉ፥ እንተኾነ ግና ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ይሰርሑ ከምዘለዉን ገሊጾም ኣለዉ። 37
ዝዕድሜኡ መራሒ መርበብ ጒጅለ ገበን ፎክስትሮት ራዋ ማጂድ፥ ኣብ ሽወደን ንሱ ኣብ ዘይተረኽበሉ ክሲ ከም ዝቐረበሉ፥
ንኽእሰር ድማ ኣህጉራዊ ትእዛዝ ምውጽኡን ተፈሊጡ። ንሱ ኣብ ሸወደን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተኸስቱ ማዕበላት ምዝውዋር
ዕጸፋርስ፥ ቅትለትን ምፍንጃራትን ዝተሓሓዙ ገበናት ክድለ ዝጸንሐ እዩ። ንሱ ዜግነት ቱርክ ከም ዘለዎም ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ
ቱርክ ክቕመጥ ምጽንሑን ጸብጻባት የመልክቱ።