ማሕበር ክንክን ጥዕናን ኣስራሕትን ኣብ ሓድሽ ሓባራዊ ልዝብ ተሰማሚዖም፡፡ እዚ ስምምዕ ነቶም ምሉእ ግዜ ናይ ለይቲ ተረኛታት ብምዃን ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ወሰኽ ደሞዝን ሓጺር ሰዓታት ስራሕን ዘጠቓልል እዩ። ከም ውጽኢት ናይቲ ስምምዕ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሽወደን ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ኣድማኡ ኣቋሪጽዎ’ሎ። እቲ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ነቲ ኣባላት ክንክን ጥዕና ተወሳኺ ሰዓት ክሰርሑ ብዝብል ትጽቢት ዝህነጽ ዘሎ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ተወሳኺ መብርሂ ምሃቡ ዕጉባት ምዃኖም ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ንኣስራሕቲ፣ ምምሕዳራት ከተማን ዞባዊ ሰብመዚ ጥዕናን ዝውክል ትካል፣ እቲ ኣድማ ኣብ ክንክን ጥዕና ዓቢ ጽልዋ ከምዘሕደረን ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ከምዝሐጎሶን ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።