ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተኸስተ ምድንጋር ኢራን ከምዝነበረት ሰበስልጣን ስለያ
ኣሜሪካ ኣረጋጊጾም። ኤፍ.ቢ.ኣይን ካልኦት ትካላት ፌደራልን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢራን ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ኢዳ
ከተእቱ ከም ዝመረጸት፡ “ዘይምስምማዕ ንምልዕዓልን ኣብ ዲሞክራስያውያን ትካላትና ዘሎ እምነት ንምድኻምን” ኣበቲዓ ትሰሕ
ኣላ ክብሉ ወቒሶም ኣለዉ።
በዚ ድማ ጎስጓስ ትራምፕ ኣጻብዕቱ ናብ ኢራን የመልክታ ኣለዋ፡፡ ሰበስልጣን ኢራን ነዚ ሓሶት እዩ ብምባል ከዋድቕእ እንከለዉ፥
ነቲ ውጽኢት መርመራ ዝፈልጡ ምንጭታት ንኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኢራናውያን
በርበርቲ ሓበሬታ (ሃከራት) ንወፍሪ ጎስጓስ ተወዳዳሪት ፕረዚደንት ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ እውን ዒላማ ከምዝገበሩ ጠርጣረኦም
ገሊጾም ኣለዉ። ሰበስልጣን ስለያ ኣሜሪካ ኣብቲ መግለጺ “[ማሕበረሰብ ስለያ] ኢራናውያን ብማሕበራዊ ምህንድስናን ካልእን
ኣቢሎም ንፕረዚደንታዊ ጎስጓሳት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ውድባት ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም ውልቀሰባት ክረኽቡ ከምዝደለዩ ይኣምኑ”
ኢሎም።
ካብ ቀረባ እዋናት ኣትሒዞም ብዛዕባ ኢራናውያን ሃከራት ስክፍታታት እናዓበዩ መጺኦም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ማይክሮሶፍት
ምስ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ጉጅለታት “ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ንጥፈታት እናበርከተ” ክመጽእ ምርኣዩ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።