ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ምስ ስድራቤቶም ናብ ሽወደን ዝግዕዙ ህጻናት 18 ዓመት ምስ መልኡ ከም ”ጽግዕተኛ” ወለዶም ክቑጸሩ ከምዘይክእሉ ዝገልጽ ሕግታት ንገለ ሽወደናውያን ስድራቤታት’ውን ይጸልዎም ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ሓደ ካብዞም ኣብ ማዕከናት ዜና ሸፈነ ረኺቦም ዘለዉ ስድራቤት ኦርያንን ሊዱቫ ቪለንን እዮም። ንሶም ኣብ 2010 ኣብ ሞዛምቢክ እዮም ተመርዕዮም፡፡ እንተኾነ ግን ቪለን ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበራ ዝምድና ዝተረኽበትን ምስኦም እትነብር ዝነበረት ጓሎም፥ ኣብ ሽወደን ምንብር ንምንዋሕ ዘቕረበቶ ሕቶ ተነጺጉ’ሎ።
“እዚ ሕጊ ኣብ ገዛእ ዓደይ ከም ወጻእተኛ ኮይኑ ክስማዕሊ ጌሩኒ’ሎ” ክብል ኦርጃን ቪለን ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።
እዚ እናኾነ፡ ብደረጃ ሃገር ቁጽሪ ጎነጻዊ ተኹሲታት እናነከየ እኳ እንተመጸ፡ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ግን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኣሻቓሊ ተርእዮ ኮይኑሎ። ኣብ ዝሓለፋ ወርሓት ሰነን ሓምለን ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደንን ከባቢኣን 24 ተኹሲ ከምዝተፈጸመ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ካብ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ዝበዝሕ ምዃኑ ተመዝጊቡ’ሎ።
“ክንሕለል የብልናን” ይብል ምክትል ኣዛዚ ናይቲ ብፍሪግ ዝፍለጥ ፍሉይ ኣንጻር ከበድቲ ዝተወደበ ገበናት ስርሒት አካይድ ጒጅለ ፖሊስ ፍረድሪክ ብራት። ፈስቲቫል ሙዚቃ “ዌይ ኣውት ዌስት” ኣብ ፓርክ ስሎትስኮገን ዮተቦሪ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ዓመት እኒ ቤንጃሚን ኢንግሮሶን ፓልፕን ዝኣመሰሉ ሱፐርስታርስ ሓዊሱ ሰፊሕ ቊጽሪ ስነጥበባውያን ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ሰብ ኪነት እውን ክህልዉ እዮም።
“ምቕማጥካ ኣብዛ ከተማ እንተኾይኑ እዚ ምግሃድ ሕልምታትካ እዩ” ይብል ኣብ ዮተቦሪ ዝመደበሩ ዲጄ ማሕሙድ313። ንሱ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ፈስቲቫል ምርኢት ከቕርብ እዩ። ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሓላፊ ስትራተጂ ሙዚቃ ሳይሞን ጉች፡ ሓደስቲ ስነጥበባውያን ምርካብን ብቐጥታ ክሰርሑ ምርኣይን ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ዕድላት ፈስቲቫላት ሙዚቃ ምዃኑ ይዛረብ።