ማርከስ ዋንድት ናብ ጠፈር ተወንጪፉ ናብ ዓለምለኻዊ መደበር ህዋ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ሽወደናዊ ፓይለት ነፋሪት ኲናት ድሕሪ ናይ ተስዓ ደቓይቕ በረራ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ርክብ፡ እታ ‘ፋልኮን 9’ ዝተሰምየት ሮኬት ካብ ፍሎሪዳ ክትውንጨፍ ከላ ብዘርኣየቶ ቅልጣፈን ፍጥነትን ምግራምን ሓጎስን ከም እተሰምዖ፡ ኣብ ጠፈር ምህላው ዝስምዓካ ስምዒት ድማ ‘ብርቱዕ ሓጎስ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ሰራሕተኛታት ‘ስፔስኤክስ’ ሰንበት ንግሆ ሰዓት 11.15 ኣብ ኣህጒራዊ መደበር ጠፈር (ISS) ክዓልቡ ምዃኖም፡ ኣብኡ ድማ ንኽልተ ሳምንታት ሳይንሳዊ መርመራ ከካይዱ ምዃኖምን ተፈሊጡ’ሎ።