ቦርድ ሕርሻ፥ ሽወደን ካብ ረስኒ ሓሰማ ነጻ ዝብል ኣፍልጦ ክወሃባ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ምልክታ ኣእትዩ። ኣብቲ ምልክታ ካብ
መወዳእታ መስከረም 2023 ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን ዝኾነ ዝርግሐ እቲ ሕማም ከም ዘይተራእየ ገሊጹ’ሎ። ዝሓለፈ 6
መስከረም፡ ሕማም ረስኒ ሓሰማ ኣፍሪቃ ኣብ ሽወደን ምህላዉ ካብ ዝፍለጥ ዓመት መሊኡ’ሎ። ሽወደን ካብቲ ሕማም ነጻ
ምዃና ብዕሊ ክእወጅ ብዙሕ ረብሓታት ዘለዎ ኣገዳሲ ጒዳይ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ብምኽንያት እቲ ሕማም ኣብ ልዕሌኣ ዝተጻዕነ
እገዳታት ክለዓል እዩ።
ካብን ናብን ምቕያር ስራሕ ምኽንያት ብምግባር ዝጸዓን ወሰኽ ግብሪ ወሲኹ ምህላዉ፡ በዚ ድማ ብዙሓት ሽወደናውያን ወነንቲ
መካይን ገዚፍ ናይ ግብሪ እታወኦም ክምለሰሎም ኣመልኪቶም ምህላዎም ተፈሊጡ። ግብሪ ኣብ ቀረባ እዋን ንነዳዲ፣ ናፍታ
ከምኡ እውን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ክብ ክብል ተጌሩ’ሎ። እዚ ድማ ካብቲ መንግስቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንመራሕቲ
መካይን ዝኸውን ምጉዳል ግብሪ ንምውሳኽ ዝወሰዶ ውሳነ ትጽቢት ዝግበረሉ ውጽኢት እዩ
ነበርቲ ብቚጠባ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከቡ ከባቢታት ፕሮግራማት መርመራ መንሽሮ ዘለዎም ምውሳእ ትሑት ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ድኻታት ከባቢታትን ካብ ከተማታት ወጻኢን ዝነብሩ ሰባት ኣብ መደባት መርመራ መንሽሮ ሳሕቲ እዮም ጥራይ እዮም
ዝሳተፉ። ኩለን ዞባታት ሽወደን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቶም ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ዝኾኑ ኣባላት ሕብረተሰብ ፍሉይ ድፍኢት ክግበር
ምንቅስቓስ ምጅማረን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሚኒስተር ክንክን ጥዕና ኣኮ ኣንካርበርግ ጆሃንሰን (KD) ዞባታት ሽወደን ነቶም ኣብዚ
መርመራ ክሳተፉ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ሕሙማት ቀሪቡ ክሰምዓኦም ኣለወን ክብል ለበዋኡ ኣቕሪቡ’ሎ።