ሽወደን ምስ ዓሚ ብምውድዳር ቀዳምነት ሸቶ ግብረሽበራዊ ፕሮፖጋንዳ ኣይኮነትን ተባሂሉ። ነዚ ትዕዝብቲ ዘውጽአ ንመጀመርታ
ሰለስተ ኣዋርሕ 2024 ዝተንተነ “ሃገራዊ ማእከል ገምጋም ስግኣት ግብረሽበራ” እዩ። ሕጂ ዕላማ ፕሮፖጋንዳ ግብረሽበራውያን
ጒጅለታት ከም “ዩሮ 2024” ን “ፓሪስ ኦሎምፒክን” ዝመሰሉ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ዝካየዱ ዓበይቲ ናይ ፍጻመታት ዒላማ
ይግበር ከምዘሎ ዳይረክተር NCT ኣን-ዛ ሃስትሮም ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ
ራብዓይ ደረጃ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ተይሌር ስዊፍት ሙዚቃዊ ምርኢት ምቕራባ ኣቐድም ኣቢሉ ኸኣ
ውድድር ዩሮቪዥን ምክያዱ ዝፍለጥ እዩ። ዓሚ ኣብ ወርሓት ነሓሰ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሽወደን ክብ ክብል ካብ
ዝገበረ ምኽንያታት እቲ ሓደ ከም ዳዕሽን ኣልቃዒዳን ዝኣመሰሉ ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ኣብ ፕሮፖጋንዳኦም ንሽወደን ብፍላይ ሸቶ
ብምግባሮም እዩ ኔሩ። ሓደ ካብ ብዙሓት ነዚ ኣበርክቶ ዝገበሩ ምኽንያታት፥ ሽዑ ብተኸታታሊ ዝተኻየዱ ምቅጻል መጽሓፍ
ቊርኣን እዮም ኔሮም።
ሽወደን ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ክብ ክብል ዝገበረትሉ ምኽንያት፥ ዝምልከቶም ኣካላት ዘድሊ
ቅድመ-መጠንቀቕታታት ክገብሩ ንምድራኽ እዩ ዝበለት ሃስትሮም፥ ክውስኽ ዝተገብረ ምድራታትን ምኽልካል ናይ ኢድ ቦርሳን
ኣብዚ መዳይ ዘድሊ ውጽኢት ክርከብ ምግባሮም ወሲኻ ኣመልኪታ። እዚ እናኾነ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ካብ ኖርሾፒንግ ወጻኢ ኣብ
ዝርከብ ንእሽቶ ጽርግያ ብሓደጋ መኪና ሰለስተ መንእሰያት ሞይቶም። ክልተ ኻልኦት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።
እታ መኪና ካብ ጽርግያ ኣንደሂጻ ድሕሪ ምኻድ ብሓዊ ከም እተቓጸለት ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።