ሓጋይ እናቐረበ ምስ ዝመጽእ ብዙሓት ብሽክለታ እናተጠቕሙ ኣብ ጎደናታት ከተማ ክዛወሩ ይረኣዩ እዮም። ብዘይካዚ ነጻ ጃላቡ
ንማእከል ከተማ ዮተቦሪ ምስቲ ኣብ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ሩባ ዝርከብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ብምትእስሳር ናብ ስራሕ ንምብጻሕ
ዝሰለጠ ኣገልግሎት ይህባ እየን ። ሳይሞን ቅድሚ ምእታው ወቕቲ ሳመር ብሽክለታኡ ኣብ ምዕራይ ዝርከብ ዘሎ ተመሃራይ እዩ።
ኲነታት ኣየር ዝበለጸ ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ ሳመር ሰባት መኪናኦም ገዲፎም ብእግሮምን ብሽክለታን ምዝዋር ከም ዝመርጹ
ዝፍለጥ እዩ።
”ኣብ ዮተቦሪ ብሽክለታ ምዝዋር ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ፈሊጠ’ለኹ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ሓደ ሰፈር ናብ ካልእ ንምኻድ
ባቡር ከተማ እየ ዝጥቀም ኔረ። ካብ ሕጂ ንደሓር ከምዩ ምግባር ኣይከድልየንን እዩ” ይብል። እዚ ይዂንምበር ብሽክለታ
ዝዝውሩ ሰባት ንድሕነቶም ዘድሊ መምርሒታት ክትግብሩ ተመራጺ ምዃኑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። ንኣብነት ዕድሜእዕም ትሕቲ
15 እንተኾይኑ ቊራዕ ርእሲ ክኽደኑ ዝሓሸ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ብሽክለታታት ንድሕሪት ዘርኢ መስትያት ክህልወን ከምኡውን
መብራህተን ኣብ እዋን ምሸት ከም ዝሰርሕ ምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ ተባሂሉ’ሎ።