ብሰልፊ ዕዮ ዝምራሕ መንግስቲ ኖርወይ፡ ነቲ ምስ ህሉው ኣሰራርሓን ማሕበራዊ ክብርታትን ብዝያዳ ዝሰማማዕ “ሓድሽ፡
እዋናውን ሰፊሕን ሕጊ ምንጻል ጥንሲ” ዘጠቓልል እማመ ኣቃሊዑ። ደቂ ኣንስትዮ ካብ 12–18 ኣብ ዘሎ ሳምንታት ጥንሲ
ንምንጻል አለወን ምርጫ ዘስፍሕ ኮይኑ፥ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ድማ እዚ ተግባር ኣንጻር ሕልናአን እንተኾይኑ ኣብ ምንጻል
ጥንሲ ካብ ምሕጋዝ ክቚጠባ ሕጋዊ መሰል ከምዘለዎም የረጋግጽ። ሚኒስተር ጥዕና ያን ክርስቲያን ቬስትረ ነቲ ሚኒስትሪኡ
ዘቕረቦ እማመ “እዋናዊ” ሕጊ ምንጻል ጥንሲ፡ ዝያዳ ምስ ህሉው ኣሰራርሓን ማሕበራዊ ክብርታትን ዝሰማማዕ ምዃኑ እምንቶ
ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ጥዕና ያን ክርስቲያን ቬስትረ ካብ ሰልፊ ዕዮ፡ ነቲ ሓድሽን ዝያዳ ሊበራላዊን ሕጊ ምንጻል ጥንሲ
ሚኒስትሪኡ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ “ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኖርወይ መሰረታዊ መሰል ጓል ኣንስተይቲ እዩ” ድሕሪ ምባል “ነፍሰጾራት
ማዕረ እዚ መሰል ውሑስ ምንጻል ጥንሲ ይረኽባ ምህላወን ምርግጋጽ ሓላፍነትና’ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ካብ ዜናታት ኖርወይ ከይወጻእና—ፖሊስ ኦስሎ ኣብ ልዕሊ ማሪዩስ ቦርግ ሆይቢ ወዲ ልእልቲ ዘውዲ ሜተ-ማሪት ዝቐረበ ገበናዊ
ክሲ ከምዘስፍሕዎ ብዓርቢ ኣረጋጊጹ። ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ መጻምድቱ ብምጥቃዕን ቤታ ብምዕናውን ተኸሲሱ’ሎ፡፡ እቲ ክሲ
ሕጂ ድማ ምፍርራሕን ትጒቱግ ብምስራቕን ብተወሳኺ ክሕተት እዩ ክትብል ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።