ብሰንኪ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት–ብረክዚት–ሽወደናውያንን ካልኦት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝበጽሑ ዜጋታት
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ቅድሚ ምጉዓዞም ኤሌክትሮኒካዊ ፍቓድ መገሻ (ETA) ከመልክቱ
ከድልዮም እዩ ተባሂሉ። ዋግኡ ድማ ከባቢ 130 ክሮና ክኸውን እዩ፡፡ እዚ ንኹሎም ተጓዓዝቲ እንተላይ ንህጻናትን ዕሸላትን ሓዊሱ
ክኽፈል ከድሊ እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንብሪጣንያውያን ሓዊሱ ንበጻሕቲ ተመሳሳሊ ስርዓት ከቐምጥ ምዃኑ
ተፈሊጡ’ሎ።