ሽወደናዊት ተመራማሪ ኣስትሮፊዚክስ ይልቫ ጎትበሪ ሓንቲ ካብቶም ኣብ መጽሔት ታይም ንመጻኢ ወዲሰብ ይቐርጹ ኣለዉ
ተባሂሎም ዝተረቚሑ 100 ኣስማት ሓንቲ ኮይና። ይልቫን መሳርሕታ ማርያ ድሩትን፡ ብሂልዬም ዝተባህለ ጋዛዊ ባእታ ዝመልኣ
ከዋኽብቲ ብምድህሳሰን እየን ናብዚ ክብሪ ተመሪጸን ዘለዋ። ብሓባር ድማ ነዞም ኣብ ታሪኽ ምርምር ስነቆዝሞስ ንምርካብ
ኣጸጋሚ ዝነበሩ ከዋኽብቲ ንምልላይ ዝሕግዝ ሜላ ኣዳልየን እየን። ይልቫ ጎትበሪ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢንስቲትዩት ሳይንስን
ቴክኖሎጅን ኦስትርያ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኮይና ትሰርሕ ኣላ። ጎትበሪ ን ዝገበረቶ ምርምር ኣመልኪታ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ
ሓበሬታ፡ “እዚ ደርማስ ጠፈር ብኸመይ ከም እተጠርነፈ ኣብ ምርዳእ ሓደ ንእሽቶ ኣበርክቶ ይገብር እዩ” ኢላ