ሽወደናውያን ተጻወትቲ መኸተ ጒስጢ (ቦክሰኛታት) ኣግነስ ኣሌክሲዩሰንን ነቢል ኢብራሂምን ኣብ ዝቕጽላ ክልተ ሳምንታት ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ንወርቂ መዳልያ ንኽወዳደሩ ክኸዱ እዮም። ኣግነስ ኣሌክሲዩሰን ኣብ ናይ 60 ኪሎ ውድድር፡ ነቢል ኢብራሂም ከኣ ኣብ 57 ኪሎ ክብደት ክወዳደሩ እዮም። “ዘገርም እዩ፡ ነዚ ዝኸውን ቃላት ክረክብ ኣይከኣልኩን” ክብል ነቢል ኢብራሂም ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ምኻዱ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ
ሽዱሽተ ሽወደናውያን ኣትሌታት ንኮሚተ ኦሎምፒክ ሽወደን ኣብ ቤት ፍርዲ ምሽምጋል ስፖርት ክሲ ምቕራቦም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እዞም ኣትሌታት ኣብ ኦሊምፒክስ ፓሪስ 2024 ንምስታፍ ኣህጉራዊ ረቛሒታት ዘማልኡ ኮይኖም ከብቅዑ፡ ረቛሒታት ሽወደን ዝያዳ ዝጸንዐ ብምዃኑ፡ ናብ ጋንታ ሽወደን ክጽንበሩ ከምዘይተመረጹ ብምግላጽ፡ እቶም ስፖርተኛታት ንኤስኦሲ ነቒፎም ኣለዉ። ይዂንምበር–ኣብቲ ክሲ ናይ ምዕዋት ዕድሎም ዝተሓተ እዩ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡሜዮ ፕሮፌሰር ሕጊ ዝኾነ ዮሃን ሊንድሆልም