ሓደ ሽወደናዊ ዜጋ ምስ ንግዲ ክሪፕቶካረንሲ ብዝተኣሳሰር ዓሎቕ ተጠርጢሩ ኣብ ቱርኪ ከም እተኣስረ ተሓቢሩ። እዚ ወዲ 35
ዓመት መንእሰይ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ቱርኪ ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ በዓል መዚ
ተቖጻጻሪ ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ሳንዳል፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝርዝር መጠንቀቕታኦም ከምዘሎ አሊጹ’ሎ።
ካብ ዜናታት ፋይናንስ ከይወጻእና—ክፍሊት ማሕበራዊ መልዕሎ ዝረኽቡ ተማሃሮን ካልኦትን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝያዳ ገንዘብ
ክረኽቡ እዮም። መንግስቲ ነቲ ዋጋ መሰረት መጠን ገንዘብ ወይ ብሽወደን pris bas beloppet ዝበሃል ሓድሽ ደረጃ
ኣቐሚጡ’ሎ፡፡ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ረብሓታት ንምሕሳብ ክጥቀመሉ እዩ። እቲ መጠን ገንዘብ በብዓመቱ ብመሰረት
ዋጋታት ንብረት ዝስተኻኸል እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ኣትሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
ብኻልእ ዜና ዘይተማእከለ ስርዓተ ክትትል ኣብ ዘለዋ ሽወደን sebat ብገበናት ከባቢ ክትተሓዝ ዘሎ ሓደጋ ትሑት ምዃኑ ኣብ
ትካል ሓለዋ ከባቢ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ገበን ጎሓፍ ሄንሪክ ሳንድስትሮም ገሊጹ።
“ውሑዳት ተቖጻጸርቲ ዘለዋ ንእሽቶ ምምሕዳር ከተማ ብቕልጡፍን ብሓይልን ስጉምቲ ክትወስድ ናይ ብሓቂ ከቢድ እዩ” ይብል።
ሕብረተሰብ ነዞም ገበናት ብኣግኡ ምፍላጥ ብዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ዓቢ ክሳራ ክህልዎ ከምዝኽእል፥ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ዝካየድ
ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ገበን ጎሓፍ ጽቡቕ መርኣያ ምዃኑ ብተወሳኺ ተመልኪቱ’ሎ።