ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን፡ ሽወደናውያን ዘህልኽዎ መጠን ጨው ኣይነከየን ። ካብ ዓሰርተ ሕማም ወቕዒ እቲ ሓደ፡ ካብ ሓሙሽተ ወቕዒ ልቢ ድማ ሓደ ምስ ብዙሕ ምህላኽ ጨው ዝተኣሳሰር ምዃኑ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ሬድዮ ሽወደን ነዚ ሓደገኛ ልማድ ኣመልኪታ ምስ ገለ ተቐማጦ ስቶክሆልም ቃለመሕትት ኣካዪዳ ኔራ።
ሓደ ካብዚኦም ዊልመር ቪክስትሮም ኮይኑ ካልኦት ሰባት ዝመጠንዎ ጨው ከም ዘይኣምን፥ ኣብ መግቡ ባዕሉ ጨው ክምጥን ከም ዝመርጽ ገሊጹ’ሎ።