ሽወደን ብርክት ዝበሉ ብናፍታ ዝሰርሑ ባክ-ኣፕ ጀነሬተራት ናብ ዩክሬን ክትሰድድ ምዃና ተፈሊጡ። ኣባል ሰልፊ ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ዝኾነት ሚኒስተር ጸዓት ኤባ ቡሽ እዚ ተበግሶ ኣካል ናይ ዝኾነ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ ናይ ሓገዝ ፓኬጅ ከምዘይኮነ ገሊጻ’ላ። ንሳ ወሲኻ እቶም ጀነሬተራት ንሆስፒታላት ጸዓት ኤሌክትሪክ ንምሃብ ክሕግዙ እዮም፣ ከምኡ’ውን ንዩክሬን ዝገጥማ ዘሎ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትገጥሞ ከኽእላ ምዃኑ ወሲኻ ሓቢራ’ላ። መንግስቲ ንጸጥታዊ ምኽንያታት ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ጀነሬተራት ናበይን መዓስን ከምዝለኣኹ ክዛረብ ኣይደልን። ብተመሳሳሊ ዜና ኖርወይ ንዩክሬን ክትህቦ ዝሓሰበት ወፈያ ነፈርቲ ኲናት ግዜኡ ኣብ መወዳእታ ምብጽሑ ተሓቢሩ። እተን ጀት ንነዊሕ ዓመታት ንኖርወይ ዘገልገላን ከም ዝኣረጋን ዝቑጸራ ኮይነን፡ ንዩክሬን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ርኡይ ብልጫ ክህባ ይኽእላ እየን ተባሂሉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ጆናስ ጋህር ስቶር ኣብ ዋዕላ ኔቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ዩክሬን ኣንጻር መጥቃዕቲ ኣየር ንነብሳ ናይ ምክልኻል ዓቕማ፡ ኣንጻር ሩስያ ኣብ እትገብሮ ውግእ ወሳኒ’ዩ፥ ነዘን ነፈርቲ ኣብዚ ዓመት ምቕራብ ክንጅምር መደብ ኣለና”ኢሉ’ሎ።
ኖርወይ ካልኦት ሃገራት ዘቐመጥኦ ገደብ ብዘየገድስ ነፈርቲ ኲናት ክትሰድድ ምዃና ጋዜጣ ኣፍተንፖስተን ሓቢራ’ላ። ንኣብነት ቤልጅየም ዩክሬን ነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊቲ ዘየከራኽር መሬት ሩስያ ክትጥቀመለን ከምዘይትኽእል ኣጠንቂቓ እያ። ኖርወይ ግና ከምኡ ዓይነት ጠለብ ኣይክትገብርን እያ። ስቶረ ኣብ እዋን ዋዕላ ኔቶ ንኣፍተንፖስተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ነዘን ነፈርቲ ኲናት ንዩክሬን ንህብ ዘሎና እታ ሃገር ልዕልና ሕጊ ትኽተል እያ ብዝብል ቅድመ ኩነት ኢና” ኢሉ። እዚ ማለት ዩክሬናውያን ካብቲ ዝጥቃዕሉ ዘለዉ ጥራይ’ዮም ክከላኸሉ ዝኽእሉ፣ ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን ዒላማታት’ውን ክፈላልዩ ትጽቢት ክግበረሎም እዩ።
ብኻልእ ዜና መንግስቲ ሽወደን ናብ ዒራቕ ክልእኮ ዝጸንሐ ልምዓታዊ ሓገዝ ከምዘቋርጽ ኣፍሊጡ። እቲ ሕዚ ዘሎ ስትራተጂ ምትሕብባር ልምዓት ክሳብ 2026 ክቕጽል ውዕል እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ኣብ 30 ሰነ 2025 ክውዳእ ክግበር እዩ። ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕብባር ልምዓትን ንግዲ ወጻኢን ዮሃን ፎርሰል፡ ዒራቕ ሕጂ ሓላፍነት ናይ ገዛእ ርእሳ ዜጋታት ክትወስድ ኣለዋ ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።