ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፥ ሽወደናውያን ናብ ባንግላድሽ ጉዕዞ ከይገብሩ ኣጠንቂቑ። ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ቀዳማይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ካብ ስልጣና ክትለቅቕን ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትሃድምን ቀሲብዋ እዩ። እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣስታት 100 ክሳብ 150 ሽወደናውያን ኣብ ባንግላድሽ ከምዘለዉ ይግመት። ብሚድያ ኣቢሎም ክጥንቀቑን ምዕባለታት ብቐረባ ክከታተሉን ድማ ምኽሩ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ኣብ ባንግላድሽ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ተቓውሞታት ይቕጽል ከምዘሎን፡ እቲ ሚኒስትሪ ድማ ናዕቢ ናይ ምቕጻል ተኽእሎኡ ልዑል ምዃኑን ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ኣብ ሽወደን ድርብ ዜግነት ዘለዎም ምስ ዝሞቱ፡ እታ ካልእ ዜግነት ዘለዋ ሃገሮም ብቐጥታ ኣይትሕበርን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሕጊ ሽወደን ንኤጀንሲ ግብሪ ምስ ካልእ ዜግነት ሓደ ሽወደናዊ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ ንኸይምዝግብ ዝኽልክል ብምዃኑ እዩ። ወኪል ፊንላንድ ኣብ ባይቶ ናጽነት ምንቅስቓስ ኖርዲክ ኪሞ ሳሲ፡ ንመጐት ሽወደን ከም ዘይቅበሎ፥ ሕጊታት ዶግማ ዘኮኑስ ኩሉ ግዜ ይቕየሩ እዮም ድሕሪ ምባል፡ ሕማቕ ሕጊ ምቕያር ናይ ባይቶ ሽወደን ሪክስዳግ ስራሕ እዩ ኢሉ።