ሽወደን ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ሃንጋሪ ዝኾነ ሚኒስተር ከምዘይትልእኽ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቪክቶር ኦርባን ከም ኣካል ናይቲ ብውልቁ “ተልእኾ ሰላም” ኢሉ ዝጸውዕዕ ተበግሶ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣካታዒ ርክብ ድሕሪ ምግባሩ’ዩ።
”ንሱ ንመርገጺ ሕብረት ኤውሮጳ መርገጺ ኣብ ሰላም ኣይውክልን እዩ፥ ብግልጺ ንምዝራብ እቲ ፕረዚደንት ርእሱ ንምትዕብባይ ዝገብሮ ዘሎ ልምምድ እዩ ዝመስል” ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ መምህር ላዕለዋይ መጽናዕቲ ኣህጒር ኣውሮጳ ኣናማርያ ዱትቸክ ሰገስተን ገሊጻ’ላ። እዚ እናኾነ ሽወደን ምስ ሃገራዊ ሓለዋ ኒውዮርክ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሽወደን ዝረኣየሉ መደብ ምሕዝነት መንግስቲ ክትጽንበር ምዃና ተፈሊጡ። ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኣታሸ ምክልኻል ሽወደን ሪካርድ ኣስስተድ ንኣገግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሽወደን ምስ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ክፍለ ሰራዊት ናይ ልምምድን ተመኩሮ ንምኽዕባት ዕድል ክትረክብ እንከላ፡ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ኒውዮርክ ድማ ምስ ሓይልታት ሽወደን ኣብ ክረምታዊ ኩነታት ተመኩሮ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ገሊጹ። ሃገራዊ ሓለዋ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ኣሜሪካ ዝርከብ ወተሃደራዊ ዕቑር ሓይሊ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።