ማሕበር ኢንዱስትሪ “ጌይም” ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ባህላዊ ውርሻ ሽወደን ክኣትዉ ዝደልዩ ናይ ሽወደን ጸወታታት ቪድዮ ጌይም ሓጺር ዝርዝር ኣስፊሮም ኣለዉ። ህዝቢ ኣብ ዝፈትዎም ጸወታታት ድምጺ ምሃቡ፡ ኣብቲ ሓጺር ዝርዝር ድማ ከም ማይንክራፍትን ካንዲ ክራሽን ዝኣመሰሉ ብሽወደን ዝማዕበሉ ጸወታታት ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። ነዚ ተርእዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተላዕለ ክትዕ፥ ጸወታታት ኣብ መንጎ ቴክኖሎጂ፡ ባህሊ፡ ፈጠራን ምህዞን ምጽንባር ከም ዝፈጥር ምክትል ፕረዚደንት ማሕበር ኢንዱስትሪ ጸወታታት ሽወደን ዮሃና ናይላንደር ገሊጻ’ላ።