ሽወደናውያን ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዘለዎም ኣጠቓቕማ ምራኸቢ ብዙሃን ልዑል ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ
ኣስታት 6 ናብ 7 ሰዓታት ምውሳኹን ተገሊጹ። ብሓፈሻኡ ካብ ከም ፈነወ ተለቪዥንን ጋዜጣታትን ዝበሉ ያታዊ መራኸቢ ብዙሃን
ወጺእካ ናብ ዲጂታላዊ ቅርጺ ስትሪሚንግን ኣፕ ዜናን ዝግበር ምስግጋር ብሰፊሑ ይረአ’ሎ። እዚ ድማ ኣብቲ ልሙድ ናይ ዝምንጋዕ
መደባት እውን ከይተረፈ ናይ ባዕሉ ጽልዋታት ከሕድር ምጽንሑን ንብዙሓት ከኣ ነቲ ነባር ርክባት ክናፍቑን ይገብሮም ምህላዉ
ተመልኪቱ።
“ነዞም ኣፕስ ደምሲስካ ንደገ ምውጻእ ኣገዳሲ ይመስለኒ” ክትብል ቨንደላ ረምብራት ብዛዕባ ልዕሊ ዓቐን ምጥቃም ማሕበራዊ
ማሕበራዊ መራከቢ ብዙሃን ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣመልኪታ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ እናኾነ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ
ሓድሽ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተመርጹ ኣማኢት ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ክሰርሑ እዮም ተባሂሉ። እዞም
ፖለቲካዊ ጉጅለታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ዝመጹ ዶንብ ሰገር ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ዝቖሙ እዮም።
ብዛዕባ ምርጫ ሕብረት ኣውሮጳ ዘሎ ዛዕባታት ፥ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ኣቃውማ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ድሕሪ ናይ መወዳእታ
መዓልቲ ምርጫ 9 ሰነ ዝህሉ ኲነታትን ይከታተል ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።