ኣብ ኖርወይ ብድምር 119 ሽሕ ሰባት ኣብዚ እዋን’ዚ ብወግዒ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ኣለዉ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት እታ ሃገር ናብ 4% ክብ ክብለ ጌርዎ’ሎ። እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ብተዛማዲ ትሑት’ዩ ቊጽሪ ምዃኑ ጎድኒ
ጎድኒ እዚ ኸኣ ዝያዳ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ስራሕ ረኺቦም ኣለዉ። ካብ ቢሮ ስታቲስቲክስ ኖርወይ SSB ዝተረኽበ ናይ ቀረባ
እዋን ኣሃዛት ከምዘመልክቶ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ካብቲ ናይ ዓሚ ብፍርቂ ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ይሕብር። ካብቶም ዝተፈጥሩ
ኣስታት 27,400 ሓደስቲ ስራሓት ልዕሊ 20,000 ብስደተኛታት ዝተወስዱ ኮይኖም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ካብ ዩክሬን ዝመጹ
እዮም። ናይዚ ቀረባ እዋን ኣሃዛት ከምዘመልክትዎ፥ ሕጂ ኣብ ኖርወይ ኣስታት 75 ሽሕ ዩክሬናውያን ከምዘለዉ ይሕብሩ። ኣብዚ
ሕጂ እዋን ካብቶም ካብ 20 ክሳብ 66 ዝዕድሚኦም ኣስታት 20% ስራሕ ዘለዎም ኮይኖም፡ መብዛሕትአን ኣብ ጽላታት ሆቴልን
ኣብያተ መግብን፡ ክንክን ጥዕናን ችርቻሮን ዝሰርሓ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ እየን።
እዚ እናኾነ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዘይንቡር ምድኻም፡ ባጤራ ኖርወይ ምስ ዓበይቲ ባጤራታት ብፍላይ ድማ ምስ ዶላር ኣመሪካ
ብምውድዳር ሓይሉ ወጺኡ’ሎ። ትማሊ ሰሉስ መሊሱ ወሪዱ'ኳ እንተነበረ፡ ሸርፊ ግን ነቶም ኣብ ዋዜማ ጒዕዞ ሃጋይ ዝርከቡ
ኖርወጃውያን ዝያዳ ዝመችአ እዩ ነይሩ። ናብ ኣሜሪካን ኩለን ዩሮ ዝጥቀማ ሃገራትን ዝግበር ናይ በዓል መገሻታት ገና ኣዝዩ ክቡር
ኮይኑ ኣሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓንቲ ዶላር ኣመሪካ ዳርጋ 11 ኖር ክሮነር ዋግኡ።ብሰኑይ ግን ሓደ ዶላር 10.47 ኖር ክሮነር ኮይኑ፡
ብሰሉስ መሊሱ ቁሩብ ተዳኺሙ ናብ 10.59 ኖር ክሮነር በጺሑ።
ሕጂ ክሮነር ካብቲ ማእከላይ ባንክ ኖርወይ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ናይዚ ዓመት ዝገመቶ ብ1 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ጋዜጣ
ኣፍተንፖስተን ጸብጺቡ። ኣብ ዝዓበየ ባንክ ኖርወይ ዲኤንቢ ዋና ስነ-ቑጠባ ክኢላ ክጀርስቲ ሃውግላንድ፡ ማእከላይ ባንክ ወለድ
ከይንኪ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ምስ ምውራድ ዋጋታት ንብረት ፍረ ይህብ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ክሳብ መወዳእታ ዓመት ዝኾነ ምጉዳል
ወለድ ትጽቢት ኣይግበርን።