ውጽኢታት ትምህርቲ ደቂ 15ን 16ን ዝዕድሜኦም ተመሃሮ ሽወደን ኣብዚ ዓመት እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ፥ ብሚእታዊት
እንክረአ ንላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብቑዓት ዝኾኑ ተማሃሮ 9ይ ክፍሊ ናብ 83.7 ከምዝወረደ ሃገራዊ ኤጀንሲ
ትምህርቲ–“ስኮልቨርከት”–ይሕብር። ኣብዚ ሓጋይ ዝተገብረ ስታቲስቲክካዊ ኣሃዛት ከምዘመልክቶ፡ ካብቶም ኣስታት 122
ሽሕ ተማሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ዝወድኡ ተመሃሮ፥ ዳርጋ 20 ሽሕ ናብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ ዘድሊ ውጽኢት
ከምዘይብሎም ይሕብር።
ሓላፊት ክፍሊ ስኮልቨርኬት ኣና ካስትበርግ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እዚ ተርእዮ “ኣሰካፊ’ዩ” ትብል፡፡ “ዝያዳ ተማሃሮ
ካልኣይ ደረጃ ክሓልፉ ኣለዎም ምተገብአ” ትብል። ብኻልእ ዜና—-
ኣብ ስቶክሆልምን ላቲቭያን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ብዝተኻየደ ዝተዋደደ ስጉምቲ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ብኸቢድ
ፋይናንሳዊ ገበን ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን
ክሮና ዝኸውን ናብ ሰራሕተኛታት ጨንፈር ህንጻ ዝኸደ ማል ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምትሕልላፎም ከኣ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።