ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ኣና ቤክ ኣብ ውድድር ፓሪስ ፓራሊሚክስ ንሽወደን ቀዳመይቲ መዳልያ ኣምጺኣ። ንሳ ኣብ ውልቃዊ ውድድር
ክሮኖሚተር “C1-3 ክላስ” ሜዳልያ ነሓስ ተዓዊታ’ላ። ካብ ቫርምላንድ ዝኾነት ቤክ፡ ኣብ ዲሲፕሊና ንክልተ ዓመታት
ከይተሳዕረት ምጽንሓ፡ ሕጂ ግን ንብሪጣንያዊት ፍራንቸስ ብራውን ብምቕዳም ጀርመናዊት ማይከ ሃውስበር፡ ወርቂ መዳልያ
ተዓዊታ’ላ። ቤክ ነሓስ ብኣዝዩ ንእሽቶ ፍልልይ መዳልያ ነሓስ ዝተረጋገጸ ኮይና፡ ካብታ ኣብ ራብዓይ ደረጃ እትርከብ ስዊዘርላንዳዊት
ፍሉሪና ሪግሊንግ ብሰለስተ ዕሽሪት ካልኢት ጥራይ እያ ቀዲማ ኣትያ።
ብኻልእ ዜና ትካል ቴሌኮም ቴልያ፡ ከም ኣካል ናይቲ ወጻኢታት ቦኣቢኡ ንምካይ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ፡ 3000 ስራሕ ክቖርጽ
ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ኩባንያ ኣብ ዓመት 2.6 ቢልዮን ክሮና ንምዕቋር ዕላማ ጌሩ ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።