ኣብ ሽወደን ሓደ ጅር ቫይረስ ኤምፖክስ (mpox) ተኸሲቱ። እዚ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ክኽሰት ሕጂ ፋልማዩ እዩ። ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ያኮብ ፎስሜድ ነዚ ዝበለ ዝሓለፈ ሓሙስ ምስ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ። ግዝያዊት ዋና ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኦሊቭያ ዊግዘል፡ እቲ በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዐ ሕሙም በቲ ክሌድ ዝተባህለ ንኡስ ግና ኣዝዩ ተላባዒን ቀታሊን ጅር ከም እትታሕዘ ገሊጻ’ላ። እቲ ሕሙም ኣብ ኣፍሪቃ ጸኒሑ ምስ ምስ ተመልሰ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ክንክን ምሕታቱን እቲ ሕማም ከም እተረኽቦን ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
እዚ እናኾነ፥ ኣብዚ ጽድያ ኣብ ፋብሪካ ባትሪ ኖርዝቮልት ኣዝዩ ልዑል መጠን ኣሞንያ ዝተባህለ ሓደገኛ ጋዝ ምዝራቚ እናተፈልጠ፡ እቲ ኩባንያ፡ ሰራሕተኛታቱ ዕዮኦም ክቕጽሉ ዝእዝዝ ውሽጣዊ መልእኽቲ ምስዳዱ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ።
”እዚ ናይ ብሓቂ ጌጋ ውሳነ እዩ። ድሕነትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ። ቀዳማይ ዝመጸለይ ሓሳብ እዚ ግቡእ ኣይኮነንዝብል እዩ” ይብል ሬድዮ ሽወደን ሓቀኛ ስሙ ክዕቅበሉ ዝደለየ–ኤልያስ። ኖርዝቮልት፡ ኣብቲ ቀጽሪ ዝነበረ ልዑል መጠን ጋዝ ኣሞንያ ከጉድል ከምዝኸኣለን፡ ሰራሕተኛታት ንዝኾነ ሓደጋ ኣይተቓልዑን ዝብል ገምጋም እቲ ኩባንያ ምህላዉን ድማ ይገልጽ።