ዝመጽእ 9 ሰነ ቅድሚ ዝካየድ ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ዓበይቲ ውድባት ንዝመጹ ላዕለዎት ሕጹያት ቃለ
መሕትት ምግባር ትቕጽል ኣላ። ሄለያን ፍሪትዞን ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ፖሊሲታት ሕብረት ኤውሮጳ
ብዛዕባ ክሊማ፣ ናይ ሓሶት ሕሳባት ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ናይ ዝዋፈሩ ሰባት ቊጠባን ስደትን
ኣመልኪታ ንመርገጺ እቲ ሰልፊ ኣብሪሃላ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ኲሎም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ መንነቶም ተፈላጢ ክገብር
ዘኽእል ሕጊ ከውጽእ እቲ ሰልፊ እማመ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ግና ክትገብር ዝኽእል ሕቶ ድዩ ተባሂሉ ብጋዜጠኛ ንዝቐረበላ ሕቶ
ሄልያና፥ ከምኒ ፌይስቡክ፥ ኢንስታግራምን ካልእን ዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያ ዝኸውን ሕጊታት ትርር ከም ዝብል
ኣብ ምግባር፥ ዕዉት ስራሕ ዓሚምና ኣሎና። ድሕሪዞም ማሕበራዊ ሚድያ ካልእ ዝተሓብአ ሰብ ወይ ሰልፊ ኣሎ ድዩ ከነረጋግጽ
ካብ ዘሎና ድርኺት ኢና ነዚ ሕጊ ኣተኣታቲናዮ ትብል። እሞ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሕጊ ስምካን መንነትካን ናይ ምዕቃብ መሰልካ
ዝሻሞ ኣይከውንን ዶ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፥ ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ዴሞክራስያዊን መሰል ውልቀሰብን ዘቕክብ ፖለቲካዊ ባህልና
ዓብዪ ብድሆ ተገቲሩ ምህላዉ ድሕሪ ምዝኽኻር ነዚ ብድሆ ዝምጥን ስጒምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።
ሄለን ፍሪትዞን ሚኒስተር ስደተኛታት ኮይና ኣገልጊላ እያ። ንሳ ነቲ ኣብ 2015 ድሕሪ ዘጋጠመ ቅልውላው ስደተኛታት ዝተኣታተወ
ሓባራዊ ፓኬጅ ስምምዕ ኣውሮጳ ዘለዋ ደገፍ እውን ገሊጻ’ላ። ኣብ 2015 መብዛሕትኦም ሶርያውያን ዝኾኑ 1.3 ሚልዮን
ስደተኛታ ናብ ኣውሮጳ ምእታዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ሃባራዊ ፓኬጅ ከምኡ ዝበለ ሽግር ደጊሙ ንኸይፍጠር ዝዓግት ምዃኑ ሄለና
ሓቢራ’ላ።
“እቲ ኣገዳሲ ነገር ሕጂ ንኤውሮጳ ዓቢ ፍታሕ ዝኸውን ሓባራዊ ፓኬጅ ስደት ዘሎና ምዃኑ እዩ፥ ስደት ንምዕጋት ከኣ ብሓባር
ክንሰርሕ ክንክእል ኢና” ብምባል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።